The Life of our Father Tesfamariam Ogbit Nebab
At the Age of 72, our Dear father Tesfamariam Ogbit was called home. He passed away in Spokane, WA on April 26, 2021.
Late Tesfamariam was born in Keren, Eritrea on May 1st, 1948 from his father Ogbit Nebab and his mother Ogbamariam Haile.
Tesfamariam is survived by his wife Zufan, his children Dawit, Samsom, Habtom and Marhawit, seven grandchildren and four great grandchildren.
Tesfamariam was a gentleman who was dear to his family and his people. He was well known and admired by many, namely his family, friends and all the people who have known him.
Tesfamariam was a man of God, prayerful and humble. He was a devout father and grandparent. He was generous man who did not spare anything to help for those who are in need.
May his soul rest in peace and may God console his loved ones.
ሓጺር ታሪኽ ሂወት ነፍስሄር ኣቦና ተስፋማርያም ዑቕቢት ልባብ
ነፍስሄር ኣቦና ተስፋማርያም ካብ ኣብኡ ዑቕቢት ልባብን ካብ ኣዲኡ ዑቅባማርያም ሃይለን ብ 1948 ኣብ በጉ፡ ኤርትራ ተወሊዱ ።
ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ አብ ከረን ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ወዲኡ። ተስፋማርያም ኣብ ትምህርቲ በሊሕን ብጽባቄ ጽሕፈቱን ብስርሑን ጽፉፍ ምንባሩ ይዝከር።
ብ1973 ዓ.ፈ. ምስ ዙፋን እንድርያስ አብ ኪዳነ ምሕረት ተሰነይ ቃል ኪዳን ብምእሳር አቦ አርባዕተ ውሉድ ሰለስተ ኣወዳት ዳዊትን፤ ሳምሶምን፤ ሃብቶምን ክኾኑ ከለዉ ሓንቲ ጓል ድማ መርሃዊት ወሊዱ። ከማኡውን ዓሰርተ ሓደ ደቂ ደቁ ክርኢ በቂዑ።
ተስፋማርያም ፈቃር ለዋህ አብ ሃይማኖቱ ጽኑዕ፤ ጸሎተኛ፡ጻዕራም፡ ፈታው ሰቡን ሃገሩን ኢዩ ኔሩ።
ብ1977 ብሰንኪ አብ ተሰነይን ዓሊግድርን ብዘጋጠመ ዘይምርግጋእ ምስ ስድራቤቱ ንሱዳን ተሰደ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ትካል ቦሮቶሎ ኣብ ሱዳን’ውን ስለዝነበረ ኣብ ሱዳን ምስ አተወ ከም ሓላፊ ናይቲ ትካል ኮይኑ ሰርሐ።
ብ1983 ምስ ምሉእ ስድራቤቱ ናብ ኣሜሪካ ንዳግማይ ስደት ኣምርሐ። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሜሪካ ኣብዝነበረሉ እዋን ትምህርቱ ብምውሳኽ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ክሳብ ግዜ ጥሮትኡ ሰሪሐ።
ተስፋማርያም ምስ ስድራ ቤቱን ውሉዱን ፍሉይ ፍቅርን ሓልዮትን ዝነበሮ ለጋስ ሕያዋይ አቦ ኢዩ ኔሩ። ንዘጋጠሞ ሕማምን ሽግርን ንኹሉ ብትዕግስትን ብምስጋናን ገጢሙ ክሳብ መፈጸምታ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ተቀቢልዎ።
ንኣቦና ተስፋማርያም ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ፡ ንቤተሰብ ከኣ ጽንዓት ይሃብ።
ሃቦ እግዚኦ ዕረፍተ ዘለዓለም፣ ወኣብርሃሉ ብርሃን ዘለዓለም፡ ወይኩን ዕረፍቶም ብሰላም።
To send flowers
to the family or plant a tree
in memory of Tesfamariam N Ogbit, please visit our floral store.